Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ግድብ ህዳሰ ዘለዋ ቅዋም ንምግላፅ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ጉጅለ ልኡኻት ልኢኻ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘለዋ ቅዋም ንምግላፅ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ላዕለዎት ጉጅለ ልኡኻት እናለኣኸት ትርከብ።

ብመሰርት እዚ ብፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ተረኺቡ ኢትዮጵያ ምስ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዙ ዘለዋ ቅዋም ንፕሬዚዳንት ሱዳን መብርሂ ሂቡ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ግድብ ህዳሰ ኣድሂቦም ዝገበሩዎ ዘተ ስዒቡ ድማ ናይ ሓባር መግለፂ ምውፅኡ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ቀፃሊ ድማ ናብ ካልኦት ተፋሰስቲ ሃገራት ሩባ ኣባይ ተመሳሳሊ ዑደት ብምግባር ቅዋም ኢትዮጵያ ንመራሕቲ ኣባል ሃገራት ገለፃ ክገብር ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብተመሳሳሊ ብነበር ፕሬዚዳንት ፌዲሪኢ ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ኣውሮፓ ተረኺቡ ቅዋም ኢትዮጵያ ገለፃ ክገብር ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ፃንሒቱ ምስ ፕሬዚዳንት ሕብረት ኣውሮፓ፣ ምስ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ከምኡ እውን ምስ ካልኦት መራሕቲ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ተራኺቡ ምስ ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዙ ኢትዮጵያ ዘለዋ ቅዋም ብምግላፅ ዲፕሎማሲያዊ ምንቅስቓስ ክገብር ኢዩ።

ኣብ ቀፃሊ ድማ ኣብ ኣሜሪካን ካልኦት ሃገራትን ተዘዋዊሩ ቅዋም ኢትዮጵያ ገለፃ ዝገብር ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ከምዝለኣኽ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.