Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ ኮሚሽን ህዝቢን ዕቤትን ውሕመ ትሳትፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ኒውዮርክ እናተሳለጠ ኣብ ዝርከብ መበል 56 ስሩዕ ጉባኤ ኮሚሽን ህዝቢን ዕቤትን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትሳትፍ ኣላ።

እቲ ጉባኤ፥ “ሕዝቢ፣ ትምህርቲን ዘላቒ ልምዓትን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ፡፡

ብሚኒስትር ዲኤታ ፕላንን ልምዓትን ሳንዶካን ደበበ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብቲ መድረኽ እናተሳተፈ ከምዝርከብ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኢትዮጵያ ብበዝሒ ህዝብ ካብ ኣፍሪካ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ከምትርከብን መንእሰይ ክፋል ሕብረተሰብዝለዓለ በዝሒ ከምዝሕዝን ኣይተ ሳንዶካን ኣብቲ መድረኸ ገሊፆም፡፡

ተበፃሕነት ትምህርቲ ብምስፋሕ ኣገራዊ ዕቤት ህዝቢ ምስ ዘላቒ ዕቤት ኢኮኖሚ ብምትእስሳር ዝከኣለሉ ኩነታት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ብፍላይ ኣብ ዘፈር ትምህርቲን ጥዕናን ሰፊሕ ኢንቨስትመንት ብምስላጥ ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ኣብ ጥንኩር መሰረት ንምንባር እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡

ብምዃኑ ፅሬት ዘለዎ ቀረብ ትምህርቲ ንምርግጋፅ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ሓገዝን ዝተዋደደ ስራሕን ከምዘድልዮ ብኣፅንዖት ገሊፆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.