ኢትዮጵያ ኣብ ዕደጋ ቻይና ዘለዋ ግደ ክብ ንክብል ትኹረት ተወዋሂብዎ ይስራሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ መድረኻት ቻይና ንዕድጊት ኦንላይን ተቕርቦም ፍርያታት ብምውሳኽ ኣብቲ ዕዳጋ ዘለዋ ግደ ክብ ንምባል ትኹረት ተዋሂብዎ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ምኽትል መራሒ ሚስዮን ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ኣምባሳደር ዳዋኖ ከድር ገሊፆም።
እቲ ሚሲዮን÷ ካብ ሓምለ 27 ክሳብ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ጄጂያንግ ዝኾነት ከተማ ሃንጆ ዝተሳለጠ 9ይ ዓለም ለኸ ዓውደ ምርኢት ዕድጊት ብመርበብ ሓበሬታ ተሳቲፉ።
ምክትል መራሒ እቲ ሚሲዮን ኣምባሳደር ዳዋኖ ከድር ኣብ መኽፈቲ መርሃ ግብሪ እቲ ዓውደ ምርኢት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ÷ ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና መድረኻት ዕድጊት መረበብ ሓሬታ ተቕርቦም ዓይነታት ፍርያት ብምውሳኽ ኣብቲ ዕዳጋ ዘለዋ ግደ ክብ ንምባል ትኹረት ተዋሂብዎ እናተሰርሀ ምዃኑ ገሊፆም።
ኣብቲ ዓውደ ምርኢት÷ ቡንን ካልኦትን ንመሸጣ ወፃኢ ዝቐርቡ ፍርያት ኢትዮጵያ፤ ንምርኢት ቀሪቦም ብተሳፍቲ ዑደት ከምዝተገበረሎም ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com