Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኣቪዬሽን ልዑል ተሳትፎ ብምግባር ጥንኩር መገዲ ኣየር ክትሃንፅ ከምዝኸኣለት ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ንዝሓፉ 80 ዓመታት ኣብ ዓውዲ ኣቪዬሽን ልዑል ተሳትፎ ብምግባር ጥንኩር መገዲ ኣየር ክትሃንፅ ከምዝኸኣለት ተገሊፁ።

ዓለም ለኸ ሲቪል ኣቪየሺን መበል 80 ዓመት በዓል ምስረትኡ ምስ በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ብብርኪ ኣፍሪካ ክኽበር ኢዩ።

ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽንን እቲ በዓል ኣመልኪቶም ብሓባር ኣብ ዝሃዎ መግለፂ÷ እቲ በዓል ‘ዘተኣማምን ሰማይ ንዘላቒ ጉዕዞ’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዝተፈላለዪ ምድላዋት ካብ 30 ሕዳር ክሳብ 3 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝኽበር ተገሊፁ።

ኢትዮጵያ ሲቪል ኣቪዬሽን ዓለም እንትምስረት ጀሚሩ ተሳትፎ ብምግባር ኣብቲ ኢንዱስትሪ ቀዳማይ ግደኣ እናተፃተት ምምፃኣ ከምኡ እውን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኣፍሪካ ቀዳማይን ጥንኩርን መገዲ ኣየር ክትሃንፅ ከምዝኸኣለት ተሓቢሩ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1944 ወርሒ ታሕሳስ 52 ሃገራት ኣብ ዝተሳተፋሉን ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ቺካጎ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ዓለም ለኸ ትካል ሲቪል ኣቪዬሽን ከምዝተመስረተ እቲ መግለፂ ኣዘኻኺሩ፡፡

ካብ ኣፍሪካ ካብ ዝተሳተፋ ሰለስተ ሃገራት፤ ኢትዮጵያ ሓንቲ ከምዝነበረትን እቲ ሲቪል ኣቪዬሽን ኣብ 2035 ዓ.ም ካብ ኣፍሪካ ተመራፂን መሪሕን ማእኸል ኣቪየሺንን ንምዃን ራኢ ሒዙ እናሰርሐ ከምዝርከብ እውን  ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።

ብታሪኩ ለገሰ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.