Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ኣኼባ ሕብረት ፓርላማ ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣፈ ጉባኤ ቤት ኽሪ ፌደሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ጄኔቫ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 149 ኣብ ዓለም ለኸ ኣኼባ ሕብረት ፓርላማ ይሳተፍ ኣሎ፡፡

እቲ ጉባኤ÷ ኣብ ሳይንስን፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን፣ ሰላምን ፀፅታን ኣብ ምዕሳል ከምኡ እውን ኣብ ምድንፋዕ ዴሞክራሲያዊ ምምሕዳር ትኹረት ዝገበሩ ዓበይቲ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነታትከምዘሕልፍ ትፅቢት ከምዝግበረሉ ተሓቢሩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ሃገራት ዘጋጥሙወን ማሕለኻታት መፍትሒ ንምእንፋትን ብብርኪ ፓርላማ ክትግበሩ ዝኽእሉ መፍትሒታት ምትሕብባርን ንምፍታሽ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ምይይጥ ከምዝግበር ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ጄኔቫ ኣመልኪቱ፡፡

ተሳትፎ ኢትዮጵያ እውን ምስ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ዘለዋ ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻ ዘለዋ ቆራፅነት ዘርኢ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.