Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓማውቲ ማእኸላይ ፅዕንቶ ልቓሕ ናብ ዘለወን ሃገራት ናብ ምስራዕ ይስራሕ ኣሎ – ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓማውቲ ማእኸላይ ፅዕንቶ ልቓሕ ናብ ዘለወን ሃገራት ናብ ምስራዕ እናተሰርሐ ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ኣብ 2010 ዓ.ም ልዑል ፅዕንቶ ልቓሕ ካብ ዘለወን ሃገራት ተሰሪዓ ከምዝነበረት ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ብፍላይ ኮሜሪሻል ልቓሕ ሙሉእ ብሙሉእ ጠጠው ክተብል ኣለዋ ዝብል ቅዋም ተታሒዙ ከምዝነበረ ኣብሪሆም።

ብዝተሰርሐ ስራሕ ድማ ኣብ 2010 ዓ.ም 36 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ዝነበረ ፅዕንቶ ወፃኢ ልቓሕ ኢትዮጵያ ኣብ 2011 ዓ.ም ናብ 29 ሚኢታዊን ኣብ 2012 ዓ.ም ድማ ናብ 26 ነጥቢ 8 ሚኢታዊ ክንኪ ክኢሉ ኢሎም።

ልዑል ፅዕንቶ ልቓሕ ካብ ዘለወን ናብ ማእኸላይ ፅዕንቶ ልቓሕ ናብ ዘለወን ሃገራት ንምስራዕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ዶክተር ኣቢይ ኣብ መብርሂኦም ተዛሪቦም።

ኣብ ውሽጢ ማክሮ ኢኮኖሚ ቀንዲ ማሕለኻን ለውጢ ክመፅእ ዘይከኣለን ዝቕባበ ዋጋ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ሸቐጥ፣ ፍርያትን ካልኦት ዘፈራትን ባህጊ ምምላእ ዘይምኽኣል ሓደ ምኽንያት ኢዩ ዝበሉ ዶክተር ኣቢይ፥ ሽርሒ ኢኮኖሚ፣ ስሱዓት ነጋዶ፣ ከትርፍ ዝብል ኣካልን ዓለም ለኸ ኩነታትን ካልኦትን ንዝቕባበ ዋጋ ቀንዲ ምኽንያታት ኢዮም ኢሎም።

ኣብ ዘፈር ማክሮ ኢኮኖሚ ርእሱ ዝኸኣለ ጉጅለ ተጣይሹ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ እናተሰርሕ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ዜጋታት፥ ንምግቢ ተንከፍ ወፃኢ 54 ሚኢታዊ፣ ካብ 16 ክሳብ 20 ሚኢታዊ ንመንበሪ ኣባይቲ፣ ንኽዳውንቲ 5 ሚኢታዊ ወፃኢ ከምዝገብሩ ገሊፆም።

እዚ ድማ ብፍላይ ምስ ምግቢ ተንከፍ ዝተተሓሓዙ ወፃኢታት ንምንካይ ብዙሓት ስራሕቲ ይስርሑ ኣለዉ።

እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ዝቕባበ ዋጋ ትሑት ኣታዊ ኣብ ዘለዎም ዜጋታት ልዑል ፅዕንቶ ከምዝፈጠረ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ተዛሪቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.