Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ግልፂ ግደ እትፃወት ሃገር ኢያ-ጉጅለ ሕውነት ቀርኒ ኣፍሪካ ቤት ምኽሪ ፈረንሳይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣኣብዚ ቀጣናን ኣፍሪካን ግልፂ ግደ እትፃወት ሃገር ኢያ ክብል ጉጅለ ሕውነት ቀርኒ ኣፍሪካ ቤት ምኽሪ ፈረንሳይ ገሊፁ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ብሴናተር ሂዩግ ሶሪ ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ሕውነት ቀርኒ ኣፍሪካ ቤት ምኽሪ ፈረንሳይ ዘቲዮም።

እቶም ሚኒስትር፥  ርክብ ኢትዮጵያን ፈረንሳን ታሪካዊን ብዙሕ ዓመታት ዘቑፀረን ኢዩ ኢሎም።

ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ልምዓት፣ ባህሊ፣ ንግዲን ኢንቨሰትመንትን እትገብሮ ተሳትፎ ንኢዶም።

ኢትዮጵያ አትርከበሉ ቀጣና መልክኣ መድራዊን ስትራቴጂካዊን ኣቀማምጣ ልዑል ተደላይነት ዘለዎ ብምዃኑ ናይ ብዙሓት ኣካላት ቀልቢ ዝሰሓበ ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ምስ ዘለዋ ብዙሕ ቁፅሪ ህዝብን እናዕማዕበለ መስ ዝመፅአ ኢኮኖሚኣን መንፅር በሪ ባሕሪ ወሳኒ ብምዃኑ ብመትከል ሂብካ ምቕባል ብሰላማዊ መገዲ ንምርካብ አትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ኣብሪሆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.