Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ንግዲ ኣፍሪካ ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ሪፐብሊክ ታንዛኒያ ከተማ ዛንዚባር እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 14 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ንግዲ ኣፍሪካ ትሳተፍ ኣላ።

ኣብቲ ኣኼባ ሚኒስትር ዴኤታ ንዲን ዞባዊ ምትእሳርን ካሳሁን ጎፌ ይሳተፉ ኣለዉ፡፡

ኣብ ኣተገባብራ ስምምዕነት ናፃ ንግዲ ዞባ ኣፍሪካ ዘምፀኦም ረብሓታትን ዘጋጠሙ ማሕለኻታትን ትኹረት ብምግባር ዝካየድ እቲ ኣኼባ÷ ኣተገባብርኡ ኣብ ዝቀላጠፈሉ ኩነታት ኣንፈት ከቐምጥ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ገሊፆም፡፡

ኣይተ ካሳሁን ኢትዮጵያ ዝርዝር ቀረብ ኣቕሑት ብምቕራብ፤ ኣብ መበል 13 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ንግዲ ኣፍሪካ ከምዘፅደቐት ኣዘኻኺሮም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ፈተነ ንግዲ ንምጅማር ዘኽእል ክልተኣዊ ዘተታት ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ከምዝግበር እውን ሓቢሮም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.