ኢትዮጵያ ኣብ ብሪክስ ልዑል ፅዓት ኣኼባ ትሳተፍ ኣላ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ኣብ ብራዚል እናተኻየደ ዘሎ ኣኼባ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ፅዓት ብሪክስ ኣብ ዝተረኸቡሉ እናተሳተፈት ከምትርከብ ተገሊፁ፡፡
ኣብቲ ኣኼባ በዓል ሙሉእ መዚ ኢትዮጵያ ኣብ ብራዚል ኣምባሳደር ልዑልሰገድ ታደሰ÷ ኣብቲ መድረኽ ብሪክስ ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻር፣ ንፕላኔታትና ቐፃሊነት ዘለዎን ኩነታት መፃኢ ምዕባለ ንምርግጋፅን ደሕንነት ፅዓት ኣድላይ ምዃኑ ገሊፆም፡፡
ኣጀንዳ 2030 ዘላቒ ልምዓት ንምዕዋት ብተመጣጣኒ ዋጋ፣ ብዘተኣማምን መገዲ፣ ዘላቒን ዘበናዊን ሓይሊ ምርካብ ወሳኒ ምዃኑ ሓቢሮም፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ጉዳይ ናይ ነዊሕ እዋን ትሑት ስትራቴጂ ልቀት ካርቦን ሓዊሱ ካልኦት ሃገራዊ ትልምታትን ስትራቴጂታትን መሰረት ብምግባር ዝተፈፀሙ ውፅኢታዊ ተግባራት ኣብሪሆም፡፡
ኢትዮጵያ ፅሩይን ዘላቒነት ዘለዎን ፅዓት ንምርገጋፅን ንምቕፃልን፣ መሰረተ ልምዓታት ፅዓት ብምስፍሕፋሕ ኣብ ኢትዮጵያ ድልየት ሓይሊ ንምምላእን ክልላዊ ምትሕብባርን ውህደትን ኣጠናኺራ ክትቕፅል እያ ኢሎም፡፡
ኣብ መድረኽ ብሪክስ ውሽጢ ምትሕብባር ፅዓት ንምጥንኻር ፅቡቕ ተሞክሮታት፣ ልምድታትን ጅማሮታት ስግግር ቴክኖሎጂን ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ንጉጅለ ኣባል ሃገራት ፃውዒት ምቕራቦም ኣብ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡