Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊያ ኣብ ትሕዝቶታት ኣል ሸባብ መጥቃዕቲ ኣየር ፈፂማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊያ ዞባ ሸበሌ ኣብ ዝርከቡ ትሕዝቶታት ኣል ሸባብ መጥቃዕቲ ኣየር ምፍፃሙ ሚኒስቴር ምክልኻል ሶማሊያ ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስቴር ምክልኻል ሶማሊያ ኣብዱልቃድር ሞሓመድ ከምዝበሉዎ÷ ሓይሊ ኣየራት ኢትዮጵያን ሶማሊያን ንሰዓታት ብዝወሰዱዎ ሰፊሕ መጠን ዘለዎ መጥቃዕቲ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ብሄራዊ ጦር ሶማሊያ ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ዝተቆፃፀራ ማእኸላዊት ከተማ ሸበሌ ምልቃቕ ተኻኢሉ፡፡

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሉ ኣል ሸባብ ዝወሰዶ መጥቃዕቲ ኣየር ብክልቲአን ሃገራት ምትሕብባር ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ዝተወሰደ መጥቃዕቲ ኣልሻባብ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝገብሮ ምስፍሕፋሕ ደው ከምዘብሎ ዝተገለፀ እንትኸውን÷ ውዳበ እቲ ጉጅለ ከምዘዳኽም እውን ገሊፆም፡፡

ስምምዕነት ኣንካራ ስዒቡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ጉዳያት ድሕንነት ዘለወን ምትሕብባር እናዓበየ ምምፅኡ ዝሓቡ እቶም ሚኒስትር÷ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትሕዝቶታት ኣል ሸባብ ዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ እውን ናይዚ መርአዪ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

“እቲ ዝተዋደደ ስጉምቲ ከም ኣልሸባብ ዝበሉ ዓለም ለኸ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ንምድኻም ዞባዊን ክልተኣዊን ምትሕብባር ኣድላዪ ከምዝኾነ ዝተገንዘብናሉ ኢዩ” ምባሎም ጋሮዌ ኦንላይን ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.