Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ንሓደ ወገን ኣብ ዘዘምበሉ ስምምዓት ኣይትእገድን – ኣምባሳደር መለስ ኣለም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጳጉሜን ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ግድብ ህዳሴ በራዊ ተረባሕነት እቲ ዞባን ተፋሰስን ሃገራትን ዘረጋግፅ ፕሮጀክት ኢዩ ክብሉ ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ገሊፆም፡፡

ኣምባሳደር መለስ ኣለም ÷ እቲ ግድቡ ኢትዮጵያውያን ብዙሓት ኮይኖም ከም ሓደ ኣብ ሃፍቶም፣ ብፍልተቶምን ጉልበቶምን እናሃነፁዎ ዝርከቡ መፈልፈሊ ሓይሊ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ግድብ ህዳሰ ናይ ዘበናት ሕቶ ልምዓት ትውልዲ ዝመለሰ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ “ራብዓይ ምልኢት ማይ እቲ ግድብ ብዓወት ምዝዛሙ ንኢትዮጵያውያን ናይ ሓዱሽ ዓመት ገፀበረከት ኢዩ” ኢሎም።

እቲ ግድብ ብውሽጣዊ ዓቕሚ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሉኣላዊ ግዝኣቶም ዝህነፅ ይኹ እምበር ረብሑኡ ካብ ሃገር ዝሓለፈ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብመንፅር እዚ ግድብ ህዳሰ ፍልፍል ምትሕብባር እምበር ፍልፍል ጎንፂ ክኸውን ኣይኽእልን ክብሉ ኣገንዚቦም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.