ኢትዮጵያ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ዝረኣዩ ፀገማት ተበፃሕነት ፋይናንስ ንኽፍትሑ ፃውዒት ኣቕሪባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2017(ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ዝረአ ፀገም ተበፃሕነት ፋይናንስ ቅልጡፍ መፍትሒ ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው ገሊፀን፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ኒዮርክ ኣብ ዝተሰናደአ ራብዓይ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ልምዓት ፋይናንስ እናተሳተፈት ትርከብ፡፡
ኣብቲ ጉባኤ ንኢትዮጵያ ብምውካል መደረ ዝገበራ ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው÷ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ዘሎ ፀገም ተበፃሕነትን ዘይፍትሓዊነትን ፋይናንስ ቅልጡፍ መፍትሒ ከምዘድልዮም ገሊፀን፡፡
እዚ ፀገም ንምፍታሕ ጭቡጥ፣ ፍትሓዊን ቅልጡፍን ምላሽ ክህብ ዝኽእል ሰነድ ንኽሰናዳእ ፃውዒት ኣቕሪበን፡፡
ነቲ ፀገም ተግባራዊ መፍትሒ ንምፍታሕ ኣባል ሃገራት ሕቡራት መንግስታትን ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስን ለውጢ ተረኽን ምልከታን ክገብራ ከምዝግባእ ምግላፀን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡