ኢትዮጵያ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ውሕመ ጠለበን ዘማእኸለ ውክልና ክህልወን ከምዝግባእ ገሊፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ጠለበን ዘማእኸለ ውክልና ክህልወን ከምዝግባእ ኣገንዚባ።
ኢትዮጵያ ኣብ ሩሲያ ከተማ ካዛን ዝተኻየደ መበል 16 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ውፅኢቱ ኣመልኪቱ ብቀዋሚ ልኡኽ ሩሲያ ፌደሬሽን ኣብ ጀኔቫ ኣቢሉ ኣብ ዝተሰናደአ መድረኽ መብርሂ ተሳቲፋ፡፡
ኣብቲ መድረኽ ዝተሳተፉ ቀዋሚ ልኡኽ ፌዲሪኢ ኣብ ውሕመ ጀኔቫ በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ፀጋአብ ክበበው ከምዝበሉዎ፤ ዓለም ለኸ ትካላት ምምሕዳራዊ ውዳበአን ንኽመሓየሽ ስጉምቲታት ክወስዳ ኣለወን።
“ብፍላይ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ውሽጢ ውሕመ ጠለበን ዘማእኸለ ውክልና ክህልወን ይግባእ” ኢሎም።
ዓለም ለኸ ርክባት ድምፂ ኣብ ምዕባይ ናይ ዝርከባ ሃገራት ክስመዐሎም ብሓባር ምስራሕ ከመዘድሊ ምግላፆም እውን ካብ ቢሮ ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ጀኔቫ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።