Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ምምብራቕ ኣፍሪካ  ዘሎ ምትእስሳር ሓይሊ ንምጥንኻር ግደኣ ከምትዋፃእ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኡጋንዳ ካምፓላ ዝተኻየደ መበል 16 ኣኬባ ምትእስሳር ሓይሊ ሚኒስተራት ምምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ኣርባዕተ ጉዳያት ውሳነ ብምሕላፍ ተዛዚሙ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ኢትዮጵያ ሓዊሱ 13 ኣባል ሃገራት ዋና ኣፈፀምቲ ስራሕ ኩባንያታት ኤሌክትሪክን ካልኦት ዝምልከቶም ሰብ ሞያን ኢሉ እውን መሓዙት ኣካላት ልምዓት ተሳቲፎም፡፡

ኣብ መጀመርታ ምትእስሳር ሓይሊ ነቲ ትካል ንነዊሕ ዓማውቲ ዘገልገሉ ታንዛኒያዊ ጄነራል ሴክሬታሪ ኢ/ር ለቢ ቻንጉላ ብምትካእ ብውድድር ካብ ኬንያ ተዓዋቲ ዝኾኑ ኢ/ር ጀምስ ካራሪ ዋሆጎን መረፃ ሴክሬታሪ ጀነራልነት ኣፅዲቖም፡፡

ብተወሳኺ እውን ብዘይሻራዊ ምትእስሳር ሓይሊ እቲ ትካል ዝቆፃፀር መቐመጢ ቦርድ  ሬጉላቶሪ ኣብ ካምፓላ ኡጋንዳ ንክኸውን ዘተ ተኻይድሉ ንክፀድቕ ተገይሩ፡፡

ብካልእ ወገን ድማ ክልቲኣዊ መሸጣ ሓይሊ መፅናዕቲ ስምምዕነት ፍሬም ወርክን ስራሕቲ ምምሕያሽ ቅድሚ ሐዚ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝተፈረመ ሰነድ ስምምዕነት ምርድዳእን  ኣብ መፃኢ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝግበር ህፁፅ ኣኬባ ሪኡ ንክውስን ኣብ ስምምዕ ምብፅሑ ተመላኺቱ፡፡

ኣብቲ ኣኼባ ኢትዮጵያ ብምውካል ኣብ ሚኒስቴር ኢነርጂን ማይን ሚኒስትር ዴኤታ  ዘፈር ልምዓት ኢነርጂ ኢንጂነር ሱልጣን ወሊ ተሳቲፎም፡፡

ኢንጂነር ሱልጣን÷ ኣብቲ ዝተገበረ ኣኼባ ሚኒስትራትን ዝፀደቑ ውሳነ ሓሳባትን ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪካ ምትእስሳር ሓይሊ ንምጥንኻር ከምዝሕግዝ ገሊፆም፡፡

ኩለን ሃገራት ቅድሚ ሐዚ ካብ  ዝነበሮ ብዝሐሸ ኩነታት ተሓባቢረን ንክሰርሓ ዝሓተቱ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ÷ ብመሰረት እዚ ድማ ኢትዮጵያ ምትእስሳር ሓይሊ ንምጥንኻር ግድኣ ከምእትዋፃእ ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.