Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ መበል 90 ሓፈሻዊ ጉባኤ ዓለም ለኸ ትካል ፖሊስ ተሳቲፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣህንዲ ከተማ ኒውዴልሂ ኣብ ዝተኻየደ መበል 90 ሓፈሻዊ ጉባኤ ዓለም ለኸ ትካል ፖሊስ ተሳቲፋ።

እቲ ጉባኤ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 18 ክሳብ 21 ጥቅምቲ 2022 ዝተኻየደ እንትኸውን÷ ኣዘዝቲ ፖሊስ 188 ሃገራት፣ ሚኒስትረትን ዝተፋላዩ ምስ ፖሊስ ብሓባር ዝሰርሑ ዓለም ለኸ ትካላትን ተሳቲፎም፡፡

ብኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገብረሚካኤል ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ እውን ኣብቲ ጉባኤ ተሳቲፉ።

ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ምስ ፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ትካል ፖሊስ ሜጀር ጀነራል ኣህመድ ናሲር ኣል-ረኢሲ፣ ምስ ሓለፍቲ ቢሮ ዞባን ምስ ተፀዋዕቲ ኢንተርፖል ኣብ ኣፍሪካን ጎናዊ ልዝብ ምግባሮም ተሓቢሩ።

ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ዝጀመሮ ሽግግር ቴክኖሎጂ፣ ህንፀት ዓቕሚ ሓይሊ ሰብ፣ ፎረንሲክን ምርመራ ገበን ሳይበርን ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ምስ ኢንተርፖል ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ኩነታታት ኣሂቦም ከምዝተዛተዩ ተገሊፁ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ኣብ ዝምልከት ተደለይቲ ሰባት ኣሕሊፍካ ኣብ ምሃብ ብምምትሕብባር ብምስራሕ ዝሐሸ ተሳትፎ ኣለዋ ብዝብል ከምዝተፀርሐት ካብቲ ፖሊስ ፌደራል ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.