Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ መበል 60 ቤት ምኽሪ ፓርላማ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ካሪቢያን ፓስፊክን ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ፈረንሳይ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 60 ቤት ምኽሪ ፓርላማ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ካሪቢያን ፓስፊክን ትሳተፍ ኣላ።

ብኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ዝምራሕ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ትማሊ ብዕሊ ኣብ ዝተኸፈተ ጉባኤ ተሳታፊ ኮይኑ።

እቲ ትካል ጉባኤኡ እናካየዶ ዝርከብ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ሰላምን ፀፅታን ኣብ ዝተኻየዱ ዝተፈላለዩ ውፅኢታት ኣኼባ ኮሚቴታት እንትኸውን፥ ፅዕንቶ ለበዳ ኮቪድ-19 ምቁፅፃር ኣብ ዝከኣአለሉ መገዲ ብምዝታይ እቲ ትካል ምስ ወድዓዊ ዓለም ዝተጠዓዓመ ንኽኸውን ምግባር ዝብሉ ጉዳያት ኣልዒሉ ይዝቲ ኣሎ ተባሂሉ።

የድርጅቱን ተቋማዊ አቅምን በማጎልበት ረገድ ብቁ፣ ቀልጣፋ፣ እና ገለልተኛ ለማድረግ ኢትዮጵያ የበኩሏን ሚና ለመጫወት ያላትን የማይናወጥ አቋም አቶ ታገሰ ጫፎ ገልጸዋል

ኣፈ ጉባኤ ኣይ ታገሰ ጫፎ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ምጉልባት ትካላዊ ዓቕሚ እቲ ትካል ብቑዕ ቅልጡፍን ዘይሻራዊን ንምግባር ናይ ባዕላ ግደ ንምፅት ዘለዋ ዘይልወጥ ቅዋም ገሊፆም።

ኣብ ክለሳ ዝርከብ ኣሰራርሓ ደምቢታት ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርላማ ዘመሓይሹ ጠቐምቲ ጉዳያት እውን ፀሪሖም።

እቲ ትካል ኣፍሪካ፣ ካሪቢያን ፓስፊክን ዝሽፍኑ 79 ኣባል ሃገራት ዘለዉሉ እንትኸውን፥ መና መቐመጢኡ ድማ ብራስለስ ኢዩ።

ኢትዮጵያም መስራቲት ኣባል ሃገር እቲ ትካል ምዃና ይፍለጥ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.