ኢትዮጵያ ኣብ መበል 19 ጉባኤ ሚኒስትራት ኮሜሳ ትሳተፍ ኣላ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ እናተሳተፈትሉ ትርከብ መበል 19 ጉባኤ ሚኒስትራት ሓበራዊ ዕዳጋ ሃገራት ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ (ኮሜሳ) ኣብ ቡሩንዲ ቡጁምቡራ ይካየድ ኣሎ፡፡
ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቀዋሚት ተፀዋዒት ኢኮኖሚክ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ኣምባሳደር ሂሩት ዘመነ ዝተመርሐ ልኡክ ኣብቲ ጉባኤ እናተሳተፈ ይርከብ፡፡
እቲ ጉባኤ ኣፈፃፅማ ፕሮግራማት ሰላምን ፀፅታን ኮሜሳ ዝርከቡሉ ብርኪን ከምዝገምገመ ሓበሬታ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ካምፓላ ኣመልኪቱ፡፡
ብመሰረት እዚ ኣብ ሊቢያ፣ ሱዳን፣ ምብራቓዊ ዲሞክራቲክ ኮንጎን ሶማሊያ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ፀፅታ ከምዝዘተየ ተገሊፁ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ጉባኤ ፅባሕ ኣብ ዝካየድ መበል 23 ጉባኤ መራሕቲ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ከምዘፅድቕ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡