Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ መበል ሳልሳይ ኮንፈረንስ ሚኒስቴራት ፋይናንስ ፀረ ግብረ ራዕዲ ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ መበል ሳልሳይ ኮንፈረንስ ሚኒስቴራት ፋይናንስ ፀረ ግብረ ራዕዲ ትሳተፍ ኣላ።

ብሚኒስትር ሰላም ኣይተ ብናልፍ ኣንዷለም ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ህንድ ኒው ደልሂ ኣብ ዝካየድ ዘሎ እቲ ጉባኤ ይሳተፍ ኣሎ።

እቲ ኮንፈረንስ “ንግብረ ራዕዲ ዝኸውን ገንዘብ የለን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 9 ሕዳር ጀሚሩ ንክልተ ተኸታተልቲ መዓልታት ይካየድ ኣሎ።

ኣይተ ብናልፍ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግብረ ራዕዲነትን ዓለም ለኻዊ ጉጅለታት ግብረ ራዕዲን ብምቅላስ ሰላምን ድሕንነትን እዛ ሃገር ንምሕላው ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ተግባራት ግብረ ራዕዲ ንምክልኻልን ዘይሕጋዊ ልውውጣት ፋይናንስን ዝውውር ገንዘበን ንምውጋእን ትካላት መንግስቲን ማእኸላት ሓበሬታ ፋይናንስን ዘለዎም ግደ በዝምልከት ኣብሪሆም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.