Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ሓበራዊ ተረባሕነት ሃፍቲ ማይ ፅኑዕ መርገፂ ከምዘለዋ ተገለጸ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ሓበራዊ ተረባሕነት ሃፍቲ ማይ ዘለዋ መርገፂ ሕዚ እውን ፅኑዕ ከምዝኾነ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር) ገሊፆም፡፡

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጅማ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 11 ፎረም ዲፕሎማሲን ኮሙኒኬሽንን ማይ ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር) ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ማይ ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚን ዲፕሎማሲ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

በዚ ኣግባብ ኢትዮጵያ ትኹረት ሂባ እናሰርሐት ከምዝኾነት ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ ሶብ ዘለል ሃፍታ ብመምርሒ ሓበራዊ ተረባሕነት ንምጥቃም ዘለዋ ቅዋም ፅኑዕ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብዚ መዳይ መራኸብቲ ሓፋሽ ናይ ኢትዮጵያ ሓቂ ኣብ ምፍላጥ ዘለዎም ግደ ንኽዋፅኡ ሓቲቶም።

ብወንድሙ ኣዱኛን ሙክታር ጠሃን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.