Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ግብረ ራዕዲታት ዝተረኸበ ውፅኢት ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ ተግባራት ከምዘይትዕገስ ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ግብረ ራዕዲታት ዝተረኸበ ውፅኢት ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ ተግባራት ከምዘይትዕገስ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዞባዊ እዋናዊ ጉዳይ ብዝምልከት ኣማሲዩ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ ኢትዮጵያ ኣፋላለያት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕን ምስ ህዝቢ ሶማሊያን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብን ብምዃን ኣብ ሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ዝበፅሑ ሓደጋታት ንምክልኻል ሕዚ እውን ቆራፅ ቅዋም ኣለዋ ኢሉ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ኣብ መግለፂኡ÷ ኣብ ሶማሊያ ልኡኽቶ ስግግር ሕብረት ኣፍሪካ (ኣትሚስ) ኣብ ቀፃሊ ዝህልዎ ሓዱሽ ኩነታት ኣወዳድባ ልኡኽቶ ሰላም ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ሓዱሽ ስግኣት ሒዙ ምምፅኡ ንኢትዮጵያ ዘተሓሳስብ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡

ሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ነዚ ሓዱሽ ስግግር እናተሰናድኡ ኣብ ዝርከቡሉ እዋን እቲ ዞባ ክግመት ናብ ዘይኽእል ፈተና እናእተወ ከምዝርከብ ኣብሪሁ፡፡

ቅድም ክብል ብዛዕባ እቲ ኩነታት ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ሶማሊያ ልኡኽቶ ሕብረት ኣፍሪካ ወታደር ዘዋፅኣ ሃገራት ተደጋጋሚ ፃውዒታትን ርኢቶታትን ትኹረት ከምዘይተውሃበን እውን ገሊፁ፡፡

“ፅቡቕ ሽምን ዝናን ከምኡ እውን መስዋእትነት ሰራዊት ምክልኻልና ዘናሽዉ ተኸታተልቲ መግለፂታት እንትወፅኡ ኢትዮጵያ ብስቕታ ንኽትሓልፍ ብሓደ ሓደ ወገናት ድሌት ከምዘሎ ይረአ” ክብል ገሊፁ፡፡

ካልኦት ተዋሳእቲ ክልል ቀርኒ ኣፍሪካ ንምትርማስ ስጉምቲ እንትወስዱ ኢትዮጵያ ብሱቕታ ከምዘይምልከት እውን ኣፍሊጡ፡፡

እዚ ብምዃኑ ድማ ኣብቲ ዞባ ብሄራዊ ድሕንነታ ናብ ሓደጋ ከውድቑ ዝኽእሉ ኩነታታት ብንቕሓት እናተኸታተለ ከምትርከብ ገሊፁ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊያን እቲ ከባቢን ሰላምን ፀፅታን ንኸዓስል፣ ንሓበራዊ ዕቤትን ኣብቲ ክልል ኣብ ሞንጎ ዘለዉ ህዝቢታት ዘሎ ጥቡቕ ሕድሕዳዊ ምትእስሳር ብዝበለፀ ንኽጉልብት ዘይተሓለለ ፃዕሪ እናገበረት ፀኒሓ ኢያ እውን ኢሉ፡፡

ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ሶማሊያ ዘሎ እዋናዊ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ኣብ ዝተሰናድኡ መድረኻት ዘተ ብንቕሓት ተሳትፎ ከምዝገበረት እውን ኣብሪሁ፡፡

“መንግስቲ ሶማሊያ ሰላም ንምዕሳል ዝግበሩ ፃዕሪታት ክጠናኸሩ ኣብ ክንዲ ምግባር እቲ ዞባ ንምትርማስ ምስ ዝደልዩ ሓይሊታት ወፃኢ እናሰርሐት ትርከብ” ኢሉ እቲ መግለፂ፡፡

ኣብ ሶማሊያ ንምውፋር ዝተሓሰበ ሓዱሽ ልኡኽቶ ሰላም ናይ ምስንዳእን ምፍቃድን ሓላፍነት ዘለዎም ኣካላት ኩሎም ኣብቲ ዞባ ዝርከቡን ቅድም ክብል ወታደር ዘዋፅኣኣ ሃገራትን ግቡኣት ዝኾኑ ስግኣታት ትኹረት ክወሃም ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቡ፡፡

ኢትዮጵያ ቅድም ክብል ኣብ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ራዕዳዊ ጉጅለታት ዝተረኸበ ዝበረታታዕ ውፅኢት ኣብ ሓደጋ ዘውድቑን ዝቕልብሱን ተግባራት ከምዘይትዕገስ እውን እቲ መግለፂ ኣገንዚቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.