ኢትዮጵያ ኣብ ለውጢ ንብረት ኣየርን ስደትን ዝመክር መድረኽ ተሳልጥ ኣላ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ለውጢ ንብረት ኣየርን ስደትን ዝመክር ብሄራዊን ዓለም ለኻዊን መድረኽ ሙሁራን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳልጥ ኣላ።
ሎሚ መዓልቲ ዝተጀመረ እቲ መድረኽ÷ ምስ ለውጢ ንብረት ኣየር ተተሓሒዞም ዝኽሰቱ ስደታት ስትራቴጂ ብዝተኸተለ መልክዑ ንምፍታሕ ኣብ ዘኽእሉ ሓሳባት ኣድሂቡ ንሰለስተ መዓልቲ ክዝፀንሕ ካብ ሚነሲቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሐበሬታ የረድእ፡፡
ሚኒስትር ደኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ተስፋዬ ይልማ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ÷ ለውጢ ንብረት ኣየር ንስደት ልዑል ፅዕንቶ ካብ ዘሕድሩ ምኽንያታት እቲ ቀንዲ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com