Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብዚ ዞባ ይኹን ኣብ ኣፍሪካ ሰላም ብምርግጋፅ ናይ መሪሕነት እጃማ ምውፃኣ ከምእትቕፅል ሙሉእ እምነት ኣለኒ – ሚኒስትር ምክልኻል ደቡብ ሱዳን ኣንጀሊና ቴኒ

ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ነቢል ማህዲ ምስ ሚኒስትር ምክልኻል ደቡብ ሱዳን ኣንጀሊና ቴኒ ኣብ ወድዓዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ዞባዊ ዛዕባታትን ዘተ ኣካይዶም፡፡

ኣምባሳደር ነቢል÷ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝፈፀሞ ወራርን ግፍዕን ኣመልኪቶም ነተን ሚኒስትር ምክልኻል ደቡብ ሱዳን ኣብሪሆምለን፡፡

ኢትዮጵያውያን ሰራዊት ምክልኻላን ብጥምረት ደው ብምባል ተግባር እቲ ጉጅለ ከምዝመከቱ እውን ገሊፆም፡፡

እቲጉጅለ ዘብፀሖ ጥፍኣትን ዕንወት ንብረትን ብዝተኽኣለ መጠን ንምምላስ ዝተገበረ ፃዕሪ ምትሕብባር ኣብ ውሽጥን ደገን ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ልዑል ግደ ከምዝተዋፅኡ ኣልዒሎም፡፡

ሚኒስትር ምክልኻል ደቡብ ሱዳን ኣንጀሊና ቴኒ ብግደአን÷ መንግስቲ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ጉዳያት ባዕሉ ናይ ምፍታሕ ሙሉእ ዓቕሚ ከምዘለዎ ኣርእዩ እዩ ኢለን፡፡

ኣተሓሒዘን ድማ ኢትዮጵያ ሰላም ምዃና ንሰላም እቲ ዞባ ኮነ ኣፍሪካ ዓብዪ ግደ ከምዘለዎ ዝሓበራ እተን ሚኒስትር፥ ግደ በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ)እውን ንሰላምን ውሕስናን እቲ ቀጠና ውሕስና ምሃብ ከምዝኾነ ኣረዲአን፡፡

ኣንጀሊና ቴኒ÷ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዞባ ይኹን ኣብ ምርግጋፅ ሰላም ኣፍሪካ ናይ መሪሕነት እጃማ ምውፃኣ ከምእትቕፅል ሙሉእ እምነት ከምዘለወን እውን ገሊፀን።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ነቢል ማህዲን ሚኒስትር ምክልኻል ደቡብ ሱዳን ኣንጀሊና ቴኒን ኣብ ዘተኦም፥ ኣብ ካልኦት ጉዳያት ክልቲአን ሃገራት ኣድሂቦም ከምዝተዛተዩ እውን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.