ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀጣና ዘለዋ ግደ ዲፕሎማሲ ክብ ብምባል ብምትሕብባር ከምእትሰርሕ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀጣና፣ ኣህጉርን ዓለም ለኸን ዘለዋ ግደ ዲፕሎማሲ ክብ ብምባል ብምትሕብባር ከምእትሰርሕ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፈሬዴሪኢ ጌዲኦን ጢሞቴዎስ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ሚኒስትር፥ ንሓለፍቲ ስራሕን ሰራሕተኛታትን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ተፀዋዕቲ ትካላትን መብርሂ ስራሕ ሂቦም።
ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)፥ ትካሎም ብሄራዊ ረብሓ እዛ ሃገር ንምሕላው ክኽተሎም ዝግብኡ ኣንፈታት ትኹረት ኣብሪሆም።
ተለዋወጥቲ ንዝኾኑ ቀጣናዊን ዓለም ለኻዊን ኣጋጣሚታት ብፍልጠትን ምርምርን ዝተሓገዘ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ የድሊ ምባሎም ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።