ኢትዮጵያ ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ንኽትከውን እናሰርሐ ዝርከብ ኮሚቴ ኣንፈት ተዋሂቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ንምዃን ስራሕቲ ቅድመ ድርድር እናወገነ ንዝርከብ ኮሚቴ ቴክኒት ኣንፈት ተዋሂቡ፡፤
ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)÷ ኣብ ሓምሻይ ናይ መወዳእታ ምድላው ኣኼባ ትካል ንግዲ ዓለም ብምስታፍ ንጉጅለ ስራሕ ኣንፈት ስራሕ ምሃቦም ገሊፆም፡፡
ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ እናተኻየደ ዝርከብ ገምጋም ምድላው ቅድመ ድርድር ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2026 ኣብ ካሜሩን ኣብ ዝካየድ መበል 14 ኮንፈረንስ ሚኒስትራት ትካል ግዲ ዓለም ኣባልነት ኢትዮጵያ ንንምዕዋት ዝዓለመ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡
ብመሰረት እዚ ኣባላት እቲ ኮሚቴ ቴክኒክ ብልዑል ሞራል፣ ፍቕሪ ሃገርን ብቕዓት ሞያን ምድላው ምግባርን ነቲ ተደራዳሪ ጉጅለ ዓቕሚ ንኽኾኑ ምትሕስሳቦም እቶም ሚኒስትር ገሊፆም፡፡
ዋና ዳይሬክተር ትካል ንግዲ ዓለም ንጎዚ ኦኮንጆ (ዶ/ር) ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ ኣባል እቲ ትካል ንኽትከውን ዝዓለመ ዘተ ምግባሮም ይዝከር፡፡