ኢትዮጵያ ኢኮኖሚያዊ ውህደት ኣፍሪካ ዘቃላጥፉ መሰረተ ልምዓታት እናዘርገሐት ትርከብ – ፕሬዚዳንት ታዬ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኢኮኖሚያዊ ውህደት ኣፍሪካ ዘቃላጥፉ መሰረተ ልምዓታት ኣብ ምህናፅ ትኹረት ብምግባር እናሰርሐት ከምትርከብ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ገሊፆም።
መበል 57 ጉባኤ ሚኒስትራት ኣህጉራዊ ፋይናንስን ቁጠባዊ ሃፍቲን ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ፡፡
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ “ኣፍሪካ ስግግር ዕቤት ኢኮኖሚ ንምግባር ኣብ በወሳኒ ምዕራፍ ታሪኽ ትትርከብ” ኢሎም።
ንነዊሕ እዋን ስርዓት ንግዲ ኣፍሪካ ዕንቅፋት ዝኾኑ ጉዳያት ንምፍታሕ ጭቡጥ ስጉምቲን ስትራቴጂካዊ ቆራፅነትን የድሊ ምባሎም ገሊፆም።
በዚ ድማ ሃገራት ኣህጉራዊ ስምምዕነት ናፃ ንግዲ ኣፍሪካ ካብ ምፅዳቕ ሓሊፉ ናብ ተግባር መልዋጥን ዕዉት ብሄራዊ ኮሚቴ ምትሕብባርን ኣዋዲድካ ብቖራፀነት ምስራሕ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም።
ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ መሰረተ ልምዓት ኢንቨስትመንት፣ እታወት ዝተወሰኸሉ መፍረያይነት፣ ዕቤት ምርምር ፓን ኣፍሪካት፣ ግልፂን ተገማቲን ማዕቐፍ ኢንቨስትመንትን ዓቕሚ ዲጂታል ኢኮኖሚ ምጉልባትን ከምዝግበእን እውን ኣገንዚበም።
ኣብ ዕቤት ደቀቕቲ፣ ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛት፣ ኣብ ምትእስሳር መሰረተ ልምዓት፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ምዕባይ ዓቕሚ ኣህጉራዊ ዲጂታል ስርዓት ዕድጊትን ብስፍሓት ምስራሕ ከምዘድሊ ገሊፆም።
ብመንፅር እዚ ኢትዮጵያ ንውህደት ንግዲ ኣፍሪካውያ ወሳኒ ግደ ዝፃወቱ ስራሕቲ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓታት ትኹረት ብምግባር እናሰርሐት ምዃና ኣፍሊጦም።