Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ዘሰናደአቶ ፎረም ከተማታት ኣፍሪካ ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)”ዘላቒ ልምዓት ከተማታት ንትራንስፎርሜሽን ኣፍሪካ ኣጀንዳ 2063″ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ቀዳማይ ፎረም ከተማታት ኣፍሪካ ኣብ ዝኽ ዓወት ዓድዋ ምክያድ ጀሚሩ፡፡

ኣብቲ ፎረም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ተወከልቲ ልዕሊ 47 ሃገራት ኣፍሪካ፣ ከንቲባታት ከተማታት ኣፍሪካ፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ሙሁራን፣ ተመራመርቲን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን እናተሳተፉ ይርከቡ፡፡

ከተማታት ኢትዮጵያ ኣብቲ ፎረም ተሞክሮአን ንመዘና ከተማታት ኣፍሪካ ብምክፋል ልውውጥ ልምዲ ከምዝገብራ ተሓቢሩ።

ዕዱማት እቲ ፎረም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተሃነፁ ሜጋ ፕሮጀክታትን መስሕብ ቱሪዝምን ከምዝጉብንዩ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.