Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ንዘጋጠሙ ብድሆታት ብምስጋር ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት 8.1 ዕብየት ኢኮኖሚ ኣመዝጊባ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ይካየድ ኣሎ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ጠሚቶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ መንግስቲ መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት ምድላዉ ኣዘኻኺሮም።

እቲ ትልሚ እንትሰናዳእ፥ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ብድሆታት ብብርኪ ዓለምን ሃገርን ምግጣሞም ኣብሪሆም።

ይኹን እንበር ነቶም ብድሆታት ብምስጋር ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት 8.1 ዕብየት ኢኮኖሚ ከምዝተመዝገበ ብምግላፅ፥ ኣብ 2017 ዓ.ም ድማ 8.4 ዕብየት ንምርግጋፅ ትልሚ ተታሒዙ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ፍሪያት ግብርና ናይ ኣናእሽቱ ሓረስቶት ሽፋን ኣዝርእቲ 20 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሄክታር ከምዝበፅሐ ኣብሪሆም።

ኣብ ልምዓት ስርናይ እውን ኣብ ክራማት 4 ነጥቢ 2 ሚሊየን ሄክታር ከምኡ’ውን ብልምዓት መስኖ ሓጋይ 3 ነጥቢ 7 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብስርናይ ከምዝተሸፈነ ብምግላፅ፥ ብመሰረት እዚ ኣስታት 300 ሚሊየን ኩንታል ፍሪያት ክእከብ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ሓቢሮም።

ኣብ ፍሪያት ቡንን ሻሂን ዝሓሸ ዓወት ይምዝገብ ኣሎ ኢሎም።

ንኣብነት ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ጥራሕ ካብ ንግዲ ወፃኢ ቡን 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ተዛሪቦም።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.