ኢትዮጵያ ንዓለም ለኸ ጉባኤ ስደተኛታት ዝቐርቡ 6 ቃልኪዳናት ኣፅዲቓ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያ ታሕሳስ 2023 ዓ.ም.ፈ ኣብ ስዊዘርላንድ ጄኔቫ ኣብ ዝሳለጥ ዓለም ለኸ ጉባኤ ስደተኛታት ዝቐርቡ ሽዱሽተ ቃልኪዳናት ኣፅዲቓ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ተወከልቲ ሰብ መዚ ኢጋድን ተወከልቲ ኤጀንሲ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብቶም ቃል ኪዳናት ርእይቶ ተዋሂቡ።
ኣይተ ደመቀ፥ ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመፅኡ ልዕሊ 1 ሚሊየን ስደተኛታት ብምቕባል ኣብ ምትእንጋድ ከምእትርከብ ተዛሪቦም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስደተኛታት መስ ማሕበረሰብ ኮይኖም ምንባር ዘኽእሉ ሰነድ ቃል ኪዳን ምስንድኡ ሓቢሮም።
ኣብቲ ዝሳለጥ ዓለም ለኸ ጉባኤ ዝቐርቡ፥ ምላሽ ፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ፣ ዝተመረፁ መዓስከራት ስደተኛታት ናብ ከተማነት ምዕባይ፣ ዓቕሚ መንግስቲ ምዕባይ፣ እቶም ስደተኛታት ብሄራዊ መፍለዪ ህዝብን ቆፀራ ኣባይቲን ኣብ ኣሰራርሓ ውሽጢ ምክታት ዝብሉ ቃል ኪዳናት ኣብቲ መድረኽ ፀዲቖም።
ብፈቲያ ዓብደላ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።