Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ንኣፈላላይ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኲናት መፍትሒ ኣይኮነን ኢላ ከምተኣምን ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ንኣፈላላይ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኲናት መፍትሒ ኣይኮነን ኢላ ከምተኣምን ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም።

እቶም ኣቐባሊ ቃል ኣብ ዘሃቡዎ ሰሙናዊ መግለፂ፥ ምስ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ተተሓሒዙ ዘሎ ጎንፂ ሕዚ እውን ሰብ ሞያታትን ኮሚሽንን ዶብ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ “ናብ ዝነበርናዮ ዘተ ንመለስ” ኢያ ትብል ዘላ ዝበሉ እቶምኣቐባሊ ቃል፥ ኲናት ንኣፈላላይ ዶብ መፍትሒ ኣይኸውንን ኢላ ከምተኣምን ኣብሪሆም።

ይኹን እምበር ሉኣላዊነታ ንምኽባር ጥንኩር ስራሕቲ ከምትሰርሕ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.