Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ንተካይዶ ሃገራዊ ምኽክር ልዝብ ፓርቲታት ፖለቲካ እወንታዊ ግደ ዝፃወት ኢዩ – ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ንተካይዶ ሃገራዊ ምኽክር ልዝብ ፓርቲታት ፖለቲካ እወንታዊ ግደ ከምዝፃወት ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ÷ ኣብ ሞንጎ ፓርቲታት ፖለቲካ ዝግበር ልዝብ ንኽቕፅል ምስ ኣመራርሓ ፓርቲታት እናተዛተየ ይርከብ።

ምክትል ኣካቢ እቲ ቦርድ ውብሸት ኣየለ÷ ቅድሚ ሕዚ ሰነድ ስምምዕነት ከምዝተፈረመ ብምሕባር እቶም ፓርቲታት ርክቦም ንኽጠናኸር ልዝባት ከምዝግበሩ ገሊፆም።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ፓርቲታት ፖለቲካ ብግደኦም÷ ዘይምስምዕማዕ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ሓድነት ሃገር ሓደጋ ዘንፀላሉ ስለዝኾነ ምምኽኻርን ምልዛብን ኣድላዪ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ውብሸት ኣየለ ከምዝበሉዎ÷ ኢትዮጵያ ዋላኳ ስርዓት መድብለ ፓርቲ ትኽተል እንተኾነት ፅዕንቶ ኣካይዳ ሓደ ፓርቲ ከምዘሎ ኣልዒሎም፡፡

ይኹን እምበር ፓርቲታት እንተዝቀራረቡን እንተዝዘራረቡን እዚ መልክዕ ምቕያር ይከኣል ኢ ብዝብል ካብ 53 ፓርቲታት እቶም 43 ፓርቲታት ዝፈረሙሉ ሰነድ ንተግባራዊነቱ ከምዝተሰናድኡ ኣልዒሎም።

ብፀጋዬ ወንድወሰንን ኣፈወርቅ እያዩ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.