Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ንሰላም ህዝቢ ሶማሊያ ልዑል መስዋእትነት ከፊላ ኢያ- ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንሰላም ህዝቢ ሶማሊያ ልዑል መስዋእትነት ከፊሉ ኢዩ ክብሉ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ኣብ ልኡኽ ሐብረት ኣፍሪካ ሶማሊያ ኣብ ትሕቲ ኣትሚስ ግቡኡ ብዓወት ነዝተዋፅአ ሓደ ሻለቃ ሰራዊት ኣብ ክልል ሶማሌ ዞባ ሸበሌ ወረዳ ፈርፈር ብምርካብ ኣቀባብላ ገይረሙሉ።

ኢትዮጵያ ቅድሚን ድሕሪን ውሳነ ሕብረት ኣፍሪካ ንብዙሕ ዓማውቲ ሰራዊታ ናብ ሶማሊያ ብምልኣኽ ፀገም ፀፅታ ህዝቢ ሶማሊያ ንምሕላው ካብ መጥቃዕቲ ኣልሸባብ ብምሕላው ብገንዘብ ዘይልካዕ ዋጋ ከምዝኸፈለት ብኣፅንኦት ገሊፆም።

እቲ ሻለቃ ምስ ህዝቢ ሶማሊያ እወንታዊ ርክብ ዝፈጠረን ዝተመስገነን ከምዝኾነ አወነ ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ንሰላም ህዝቢ ሶማሊያ ልዑል መስዋእትነት ከፊላ ኢያ ኢሎም።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.