Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ንሰላምን ምርግጋዕን ኣፍሪካ ልዑል ኣስተዋፅኦ ተበርክት ኣላ-ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ንሰላምን ምርግጋዕን ኣፍሪካ ልዑል ኣስተዋፅኦ ተበርክት ኣላ ክብሉ ኣባል ቀዋሚ ኮሚቴ ርክብ ወፃኢን ጉዳያት ሰላምን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ተዛሪቦም።

እቶም ኣምባሳደር ሳለም ኢትዮጵያ ንሰላም ጎረባብታ ወሳኒ ምዃኑ ብምግላፅ፥ ሰላም ጎረባብቲ ሃገራት እውን ናይ ባዕላ ሰላም ምዃኑ ብተግባር ኣረጋጊፃ ኢያ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ንናፅነት ኣፍሪካ ብዘበርከተቶ ኣስተዋፅኦ ልክዕ ንሳለምን ምርግጋዕን ኣፍሪካ እውን ግደኣ ትዋፃእ ዘላ ሃገር ከምዝኾነት ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ንሰላምን ምርግጋዕን ሶማሊያ ዝገበረቶ ኣስተዋፅኦ ንሰላም ዓለም እወን ከምዝገበረት ዝውሰድ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣብ ቀጣና ቀርኒ ኣፍሪካ ሰላም ንክነግስ ሃገራት ግብረ ራዕዲ ንምክልኻል ብሓባር ዝገብርኡ ፃዕሪ ዓለም ለኸ ርክበን ብዝበለፀ ንክጠናኸር ከምዘኽእል ገሊፆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.