Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ሰላም ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ሙሉእ ምድላው ትርከብ- ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ሰላም ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ሙሉእ ምድላው ትርከብ ክብሉ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፥ ተተካኢ ሞተራይዝድ ሻለቃ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝበፅሐሉ በርኪ ምድላው በዝምልከት ዑደት ገይሮም።

ኣብቲ ዑደት፥ እቲ ሞተራይዝድ ሻለቃ ብመሰረት መዐቀኒ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተማልአን ንዝኾነ ይኹን ልኡኽ ድልዊን ከምዝኾነ ምርግጋፅ ከምዝኸኣሉ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ሰላም ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ሙሉእ ምድላው ትርከብ ድማ ኢሎም ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ።

እዚ ድማ ንምርግጋፅ ቀጣናዊ ሰላም ካብ ዘለዋ ባህጊ ከምዝብገስ ምዝራቦም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.