Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ንመግለፂ ሊግ ዓረብ ኣጥቢቓ ተቓዊማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ንመግለፂ ሊግ ዓረብ ኣጥቢቓ ከምእትቃወም ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ምስጋኑ ኣርጋ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዊ መልእኽቲ፥ እቲ መግለፂ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይን ልኡላውነትን ኢትዮጵያ ጣልቃ ምእታው ፈተነ ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ምስ ብዙሓት ሃገራት ዓረብ እወንታዊ ርክብ ከምዘለዋ እውን ሓቢሮም።

ይኹን እንበር ሊግ ዓረብ ናይ ውሑዳት ረብሓ ጥራሕ ዘኽብር ዘሎ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሊግ ዓረብ ትማሊ ኣብ ግብፂ ካይሮ ኣብ ዘሳለጦ ፍሉይ ኣኼባ ሚኒስትራት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተገበረ ሰነድ ስምምዕነት መበገሲ ብምግባር ኢትዮጵያ ነቲ ቀጣና ዘለዋ ግደ ዝኸሓደ ሓሳብ ምንፅብራቑ ይዝከር።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.