Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ንሕብረት ኣፍሪካ ንምድጋፍ ዘለዋ ቁርፀኝነት ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ) ኢትዮጵያ ንሕብረት ኣፍሪካ ንምድጋፍ ዘለዋ ቁርፀኝነት ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ሂሩት ዘመነ ገሊፀን።

ኣብ  ሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ቀዋሚት ልኡኽ ፌዴሪኢ ብምዃን ዝተሸማ ኣምባሳደር ሂሩት ዘመነ ደብዳበ ሽመተን ንኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ  ሙሳ ፋቂ ማሃማት ኣቕሪበን።

ክልቲኦም መራሕቲ፥ ይካየድ ኣብ ዘሎ ትካላዊ ምምሕያሽ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪካን ዘሎ ምትሕብባር ምጥንኻር ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘዕባታት ዘቲዮም።

ኣምባሳደር ሂሩት፥ ኢትዮጵያ ንሕብረት ኣፍሪካ ንምድጋፍ ዘለዋ ቁርፀኝነት ኣጠናኺራ ከምእትቕፀል ምግላፀን ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.