Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ንሕብረት ኣዉሮፓ ቁልፊ መሓዛ ኾይና ምቕፃላ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ንሕብረት ኣዉሮፓ ቁልፊ መሓዛ ኾይና ምቕፃላ ኣምባሳደር ሕብረት ኣዉሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሶፊ ፍሮም ኢመስበርገር ገሊፀን፡፡

መቐመጢአን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበራ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣዉሮፓ ሓበራዊ መግለፂ ሂበን፡፡

ኣምባሳደር ሕብረት ኣዉሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሶፊ ፍሮም ኢመስበርገር÷ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ድሕንነትን፣ ግብረ ራዕዲ ንምክልኻል ከምኡዉን ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ምክልኻል ተቐራሪቦም ኣብ ምስራሕ ከምዝርከቡ ገሊፀን፡፡

21 ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣዉሮፓ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝርከባ ብምሕባር÷ ምትሕብባረን ንምጥንኻርን ቀፃሊ ብሓባር ንምስራሕን ዘለወን ቆራፅት ኣብራህሪሄን፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ንኢትዮጵያ ጠንካራ ዘተኣማምን መሓዛ ኾይኖም ምቕፃሎም ብምሕባር÷ በቢዓመቱ ናብ ሓደ ቢሊየን ዩሮ ዝፅጋዕ ደገፍ ይህቡ ከምዘለዉ ኣረዲኤን፡፡

እቲ ሕብረት ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብ ኣንካራ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ከምዝንእድን ስምምዕነት ፕሪቶሪያ እናተኸታተሉ ምስ ኢትዮጵያ ብቕርበት ይስራሕ ኣሎ ተባሂሉ፡፡

ተግባራዊ ዝኾነ ሪፎርም ኢኮኖሚ ሕብረት ኣዉሮፓ ከምዝድግፍ ብምግላፅ÷ ብዙሓት ኣባል ሃገራት ተሳትፎ ኢንቨስትመንት ንምዕባይ ድልየት ምርኣዮም ሓቢረን፡፡

 

ብመራኦል ከድር

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.