Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ንልዕሊ 1 ነጥቢ 1 ሚሊየን ስደተኛታት ከለላን ደገፍን ትገብር ከምዘላ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ንልዕሊ 1 ነጥቢ 1 ሚሊየን ስደተኛታት ከለላን ደገፍን ትገብር ከምዘላ ኣገልግሎት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስቲን ገሊፁ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣገልግሎት ጠይባ ሓሰን፥ ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ንዝመፅኡ ስደተኛታት ተተኣናግድ ዘላ እኳ እንተኾነት ዜጋታት ድማ ብዘይሕጋዊ ስደት ንፀገም ይቃልዑ መህላዎም እቲ ጉዳይ ኣተሓሳሳቢ ኮይኑ ኣሎ ኢለን።

ምስ መንግስታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዲፕሎማሲያዊ ዘተ ብምግባር መንግስቲ ዜጋታቱ ናብ ዓዶም ይምልስ ከምዘሎ እውን ሓቢረን።

ኢትዮጵያ ካብ 26 ሃገራት ዝመፅኡ ንልዕሊ 1 ነጥቢ 1 ሚሊየን ስደተኛታት ብምቕባል ግቡእ ከለላን ደገፍን ትገብር ከምዘላ ገሊፀን።

ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ዘለዉ ዜጋታት ቁፅሮም ካብ እዋን ናብ እዋን ይዛይድ ከምዘሎ እውን ኣብሪሀን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.