Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ናይ 2 ቢሊየን ዶላር ኢንቨስትመንት ካብ ወፃኢ ዓዲ ንምስሓብ ተሊማ ትሰርሕ ከምዘላ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮርፖሬሽን ባንኪ መሬትን ልምዓትን  ናይ 2 ቢሊየን ዶላር ኢንቨስትመንት ካብ ወፃኢ ዓዲ ንምስሓብ ተሊሞም ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊፁ።

እቲ ኮርፖሬሽን “ኢንቨስት ኦሪጅንስ 2023” ብዝበል መሪሕ ቃል 18 ክሳብ 19 ዓለም ለኸ ፎረም ኢንቨስትመነት ንምትእንጋድ ምድላዉ ከምዝዛዘመ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር እቲ ኮርፖሬሽን ሌንሳ መኮንን ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልኡ፥ ኣብቶም ዝተገለፁ መዓልታት ሰብ ሃፍቲ ብዋናነት ኣብ ዝተለለዩ ሓሙሽተ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት መዋእለ ንዋዮም ኢንቨስት ንምግባር ናይ ምፍላጥ ስራሕ ክስራሕ ኢዩ።

እቶም ኣማራፅታት፥ ልምዓት ኣባይቲ፣ ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ኣገልግሎትን ኢንፎርሜሽን ኮሙኒኬሽን ቴክኖሎጂን ከመዝኾኑ ድማ ተዛሪበን።

ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ተረባሕነት ማሕበረሰብ ንምርግጋፅ ምስ ማሕበረሰብ ንግዲ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን በምትሕብባር ንምስራሕ ዘኽአል ምህዳር ከምዝጠዓዓም ተገሊፁ።

እዚ ድማ ኢትዮጵያ ናብ ምዕባዐለ እትገብሮ ጉዕዞ ንምስላጥን ንምምሕያሽ ህይወት ዜጋታትን ዕላማ ተገይሩ ከምዝተልዓለ ሓቢረን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.