Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ዝኾነ ወግዒን ባህሊን ዘለዎም ህዝቢታት ዝርከቡላ ሃገር ኢያ – ኣባገዳ ጎበና ሆላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ዝኾነ ወግዒን ባህሊን ዘለዎም ህዝቢታት ዝርከቡላ ሃገር ከምዝኾነት ኣባገዳ ጎበና ሆላ ገሊፆም።

በዓል ኢሬቻ ሆረ ርሰዴ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ እናተኸበረ ይርከብ፡፡

ኣብቲ ክብረ በዓል ዝተረኸቡ ኣባ ገዳ ጎበና ሆላ ከምዝገለፁዎ÷ “ንሕና ኢትዮጵያውያን ናይ ባዕልና ዝኾነ ባህሊን ወግዒን ዘለና ህዝቢታት ኢና”፡፡

ህዝቢ ኦሮም ድማ ናይ ባዕሉ ነፀብራቕ ስርዓት ገዳ ዝኾነ ኢሬቻ ከምዘለዎ ኣብሪሆም፡፡

በዓል ኢሬቻ ትማሊ ኣብ ሆረ ፊንፊኔ ዝተፈላለዩ ብሄር ብሄረሰባት ኣብ ዝተረኸቡሉ ብድምቀት ከምዝተኸበረ ዝሓበሩ እቶም ኣበ ገዳ÷ ህዝቢ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ሃይማኖት፣ ፆታን ካልኦት ኣፈላላይትን ብሓባር ምስጋና ምቕራቡ ተዛሪቦም፡፡

“ኢሬቻ ብሄር ኣይኮነን፤ ሃይማኖት ኣይኮነን፤ ኢሬቻ ሓቛፊን ሰላምን ኢዩ” ዝበሉ ኣባ ገዳ ጎበና÷ ብምዃኑ ካብ ጎረቤት ኬንያ ዝመፅኡ ጉጅለ ልኡኽ ኣብቲ በዓል ከምዝተዓደሙ ኣብሪሆም፡፡

በመጨረሻም ኣባገዳ ጎበና ሆላ ኣብ መወዳእታ ሰላም ንኢትዮጵያ ይኹን ክብሉ ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም፡፡

ብመሰረት ኣወቀ

ምስሊ ኣብርሃም ፈቀደ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.