Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ናይ ምፍራስ እኩይ ትልሚ ምትሕብባር ታሪካዊ ፀላእትናን ናይ ውሽጢ ባንዳታትን ፍፁም ኣይዕወትን-ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 1 ሺሕን 443 ብዓል ዒድ ኣልፈጥር ሶላት ኣብ ኣብዝሓ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብሰላም ምዝዛሙ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ኣብዝሓ ፈተውቲ ሰላም ሰዓብቲ እቲ እምነት እቲ በዓል ብዝተረጋገዐን ዝሰኸነን ኩነታት ንክኽበር ንዝገበርዎ ተሳትፎን ምስ ኣካላት ፀፅታ ሓቢርካ ንምስራሕ ንዘርኣይዎ ተበግሶን ንኢዱ።

ታሪካዊ ጠላቶቻችን ኢትዮጵያን ለማተራማስና ለማፍረስ እንደ መሳሪያ ከሚጠቀሙባቸዉ ጉዳዮች ዉስጥ የለዉጥ ሂደቱ ፈተና ሆነዉ የቀጠሉት የሃይማኖት ፅንፈኝነት፣ አክራሪነትና መንደርተኝነት ዋነኞቹ ናቸው፡፡

ታሪካዊ ፀላእትናን ኢትዮጵያ ንምትርማስን ንምፍራስን ከም መሳርሒ ካብ መንጎ ዝጠቀሙሎም ጉዳያት ውሽጢ ናይ ለውጢ ከይዲ ፈተና ብምዃን ዝቐፀሉ ፅንፈኛ ሃይማኖት፣ ኣክራሪነትን መንደርተኝነትን እቶም ቀንዲ ኢዮም ኢሉ።

ናይ ውሽጢ ባንዳታት ሃይማኖት ሽፋን ብምግባር ምስ ናይ ደገ ፀላእትናን ታሪካዊ ፀላእትናን ተዋዲዶም በፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጎንደር ምስ ዘጋጠመ ረብሻ ብምዝማድ እቲ ጎንፂ ናብ ክልል ደቡብ ከተማ ወራቤን ካልኦት ከባቢታትን ብምስፋሕ ሀውከትን ዕግርግርን ንክፍጠር ፈተነ ከምዝገበሩ ገሊፁ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣብዚ ሰሙን ናይ ፀረ ኢትዮጵያ ቅዋሞም ብምግላፅ ቀፃሊ ክፈጥርዎ ብዛዕባ ዝሓሰብዎ ህውከት ኣብ ኣደባባይ ክገልፁ ከመዝቐነዩ እወነ ኣዘኻኺሩ።

እቲ እኩይ ዕላመኦም ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓብዪ ሰላት ዒድ ንምትግባር ከምዝፈተኑ ድማ ኣብሪሁ።

በዚ ድማ ኣብ ሓውልቲ ሰማእታትን መስቀል ኣደባባይን ንብረትን ሓይሊታት ፀፅታን ካብ ዝበፅሐ ማእኸላይ ጉድኣት ወፃእ ምንም ዓይነት ጉድኣት እንተይበፅሐ ብምውዳድ ፈተውቲ ሰላም ምእመናንን ሓይሊታት ፀፅታን እቲ ትልሚ ምትርማስ ከምዝፈሸለ ገሊፁ።

ኣብ ዝተረፉ ኣብዝሓ ከባቢታት ኢትዮጵያ መበል 1 ሺሕን 443 ብዓል ዒድ ኣልፈጥር ሶላት ብሰላም ምዝዛሙ እቲ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ ናይ ምፍራስ እኩይ ትልሚ ምትሕብባር ታሪካዊ ፀላእትናን ናይ ውሽጢ ባንዳታትን ፍፁም ኣይዕወትን እውን ኢሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.