Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ናይ ምግቢ ሉኣላዊነታ ንምኽባር ብትኹረት ትሰርሕ ኣላ – ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ዓውዲ ሕርሻ ብምዝማንን ዝተዋደደ ስግግርን ብምርግጋፅ ናይ ምግቢ ሉኣላዊነታ ንምኽባር ብትኹረት ትሰርሕ ኣላ ክብሉ ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ኣብ ክልል ዓፋር መድረኽ ምፍላጥ ስግግር ፍኖተ-ካርታ ሕርሻ ተኻይዱ።

እቲ ፍኖተ-ካርታው÷ ሚኒስቴር ሕርሻን ኢኒስቲትዩት ትራንስፎርሜሽ ሕርሻ ኢትዮጵያን ብምትሕብባር ዘሰናድኡዎ ኢዩ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣወል ኣርባ፣ ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)፣ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢን ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር)ን ካልኦትመዳርግቲ ኣካላት እቲ ዓውዲን ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም።

ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)÷ “ኢትዮጵያ ዓውዲ ሕርሻ ብምዝማንን ዝተዋደደ ስግግርን ብምርግጋፅ ናይ ምግቢ ሉኣላዊነታ ንምኽባር ብትኹረት እናሰርሐት ትርከብ” ኢሎም፡፡

ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ፍርያት ዝትክእን ንዕዳጋ ወፃኢ ዝኸውንን ፍርያት ካብ ምፍራይ ሓሊፉ ዓውዲ ሕርሻ ካብ ማእገር ሓረስታይ ብምውራድ ብሜካናይዜሽን ንምዝማን እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

ነዚ ድማ ፍኖተ ካርታታት ሕርሻ ተሰናዲኦም ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ተግባራዊ እናኾኑ ከምዝርከቡ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ክልል ዓፋር ዕላዊ ዝኾነ ፍኖተ-ካርታ እውን ናይዚ ኣካል ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ብኣለምሰገድ ኣሳዬ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.