Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ናብራ ስደተኛታትን ተቐባሊ ማሕበረሰብን ንምምሕያሽ ምስርሓ ክትቅፅል ኢያ- ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ናብራ ስደተኛታትን ተቐባሊ ማሕበረሰብን ንምምሕያሽ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ምስርሓ ክትቅፅል ኢያ ከብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ኣይተ ደመቀ፥ ብምትሕብባር መንግስቲ ኢትዮጵያን ፋውንዴሽን ኣይኬ ኢ ኤን ቃል ኪዳን ስደተኛታት መልካዲዳን ፍኖተ ካርታ ቀብሪ በያሀን ዝተሰየሙ ህይወት ስደተኛታት ንምምሕያሽ ዝተሰናድኡ ሰነዳት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ጄኔቫ ዕላዊ ኣብ ዝተገበርሉ ስነ ሰርዓት ኢዮም ከምኡ ብምባል ተዛሪቦም።

ንስደተኛታት ከለላ በምሃብን ምስ ማሕበረሰብ ክወሃሃዱን ኣብ ምግባር ዓውዲ ውለቀ ዘለዎ ምትሕበባር ኣጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ምዝራቦም ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.