Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ትፅቢት እትግበረሎም ክልተ ውድድራት ፍፃመ ኣትሌቲክስ ሎሚ ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ፔሩ ሊማ ዝካየድ መበል 20 ዓለም ለኸ ውድድር ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ትሕቲ 20 ዓመት ሎሚ መዓልቲ ክጅመር ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ለይቲ 7፡25 ኣብ ዝካየድ 5 ሺሕ ሜትሮ ውድድር ደቂ ኣኒስቲዮ ኣትሌት መዲና ኢሳን መቅደስ ኣለምእሸትን ክዕወታ ኢየን ዝብል ልዑል ትፅቢት ኣሎ።

ሰዓት 7፡55 ድማ 5 ሺሕ ሜትሮ ፍፃመ ውድድር ደቂ ተባዕቲዮ ክካየድ ኢዩ።

ኣብቲ ውድድር ኣትሌት ንብረት ክንዴን ኣብዲሳ ፈይሳን ክሳተፉ ኢዮም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣትሌት ኣስቴር ኣሬሬ፥ ሰዓት 2፡55 ኣብ ዝካየድ 800 ሜትሮ ምፅራይ ውድድር ደቂ ኣኒስቲዮ ክትሳተፍ ኢያ።

ሰዓት 6 ለይቲ ድማ ወድድር መሐንኩሎ 3 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ፥ ኣትሌት ሲምቦ ኣለማየሁን ፍሬህይወት ገሰሰን ኣብ ዝተፈላለዩ ምድባት ከምዝወዳደራ ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.