Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ተምሳሌት ናፅነት ኣፍሪካ ኢያ – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኡጋንዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኣለምፀሃይ መሰረት ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኡጋንዳ ጄጄ ኦዶንጎ ኣብ ክልተኣዊ፣ ከባቢያዊን እዋናዊን ጉዳያት ኣድሂበን ተዛቲየን።

ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ኩለመዳይ ርክባት ንምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት እውን ተመያይጠን።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኡጋንዳ ጄጄ ኦዶንጎ ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ኢትዮጵያ ተምሳሌት ናፅነት ኣፍሪካ ከምዝኾነትን ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጠሩ ጉዳያት ኩሎም ኣፍሪካውያን ብዕቱብ ዝከታተሉዎ ጉዳይ ከምዝኾነን ገሊፆም።

ኣምባሳደር ኣለም ፀሃይ በውግደአን፥ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝቢን እናብፀሖ ዝርከብ ተግባር ግብረ ራዕዲ ብማሕበረሰብ ዓለም ዝረአ ወገናዊነትን ዘይተገበአ ፅዕንቶን ኣመልኪተን መብርሂ ሂበን።

ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ጥንኩር ክልተኣዊ ርክብ ብዝበለፀ ክዓቢ ከምዝግበኦ ዝገለፁ ሚኒስትር ጄጄ ኦዶንጎ፥ ብፍላይ ነዊሕን ታሪኻዊን ርክብ ዘለወን ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ኣብ ከባቢያዊን ዓለም ለኻዊ በዓል ብዙሕ መድረኽን ጉዳያትን ዘሰጉመኦ ቅዋም ንርክበን ቀንዲ መሰረት ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ቤት ጽሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.