Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ተመሓላለፍቲ ዘይኮኑ ሕማማት ብምክልኻል ንዘመዝገበቶ ውፅኢት ኣፍልጦ ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16  መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ወድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ኢትዮጵያ ተመሓላለፍቲ ዘይኮኑ ሕማማት ብምክልኻል ንዘመዝገበቶ ውፅኢት ኣፍልጦ ሂቡ።

ኣብ ኣሜሪካ ኒውዮርክ ይሳለጥ ኣብ ዘሎ መበል 79 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሓይሊ ዕማም(ኤንሲዲ) ምክልኻልን ምቁፅፃርን ተመሓላለፍቲ ዘይኮኑ ሕማማት ውሕመ ንሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ እቲ ሽልማት ኣበርኪቱ።

ብፍላይ ኢትዮጵያ ካንሰር ምልቆ ማህፀን ብምክልኻል ንዘመዝገበቶ ውፅኢት ኣፍልጦ ከምዝተውሃበ ኣብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝሳተፋ ዘለዋ ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ ነቲ ሽልማት ተረኪበን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.