ኢትዮጵያ ብዓውዲ ምርምርን ኢኖቬሽንን ተረባሒት ፈንድ ሆራይዘን ሕብረት ኣውሮፓ ንምግባር ይስራሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ብዓውዲ ምርምርን ኢኖቬሽንን ተረባሒት ፈንድ ሆራይዘን ሕብረት ኣውሮፓ ንምግባር ይስራሕ ከምዘሎ ሕብረት ኣውሮፓ ኣፍሊጡ።
ኣብ መንጎ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣውሮፓን ኢትዮጵያን ፅኑዕ ምትሕብባር ምርምር ንምጅማር ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ብምድሃብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘተ ይግበር ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣውሮፓን ኣፍሪካ ዝተገበረ ስምምዕነት ተግባራዊ ንምግባር ዘኽእል ዘተ ተገይሩ።
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሕብረት ኣውሮፓ ሮናልድ ኮቢያ÷ ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ ርክብ ሕብረት ኣውሮፓን ኢትዮጵያን ብምርምርን ኢኖቬሽንን ንምዕባይ ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም።
ሕብረት ኣውሮፓን ኢትዮጵያን ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ብምትሕብባር ይሰርሑ ከምዘለዉ ምሕባሮም ካብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ኢትዮጵያ ፈላመይቲ ሕርያ ሕብረት ኣውሮፓ ከምዝኾነት እውን ተዛሪቦም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።