Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ብወገን ሱዳን ኣብ ናይ ሓባር ዶብ ዝተገበሩ ሓደሽቲ ለውጢታትን ምንቅስቓሳትን ዝፀንሑ ስምምዕነታት ዝጥሕሱ ብምዃኖም ብህፁፅ ደው ንክብል ኣተሓሳሲባ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል ካልኣይ ፖለቲካዊ ዘተ ላዕለዎት ኣመራርሕ ጉዳያት ዶብ ኢትዮ ሱዳን ተዛዚሙ።

እቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ሱዳን ካርቱም ነክልተ መዓልታት ኢዩ ተሳሊጡ።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ከባቢ ናይ ሓባር ዶብ ኣብ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ሓሳብ ዝተለዋወጡ እንትኾኑ፥ ካብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ብወገን ሱዳን ኣብ ናይ ሓባር ዶብ ዝተገበሩ ሓደሽቲ ለውጢታትን ምንቅስቓሳትን ዝፀንሑ ስምምዕነታት ዝጥሕሱ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ዝቕይሩ ብምዃኖም ብህፁፅ ደው ንክብሉን ናብ ንቡር ቦተኦም ክምለሱን ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲባ።

ኣብ ልዕሊ ንብረት ሓረስቶትን ሰብ ሃፍቲን ዝበፅሐ ልዑል ጉድኣትን ምምዝባል ዜጋታትን ትኹረት ከምዘድሊዮን ብህፁፅ ምእራም ከምዘድሊዮን እውን ኣተሓሳሲባ።

ብተወሳኺ ናይ ሓባር ዶብ ክልቲአን ሃገራት ብዝምልከት ዘለዉ ዝኾኑ ይኹኑ ዓይነታት ኣፈላላይ ንኹሉ ብዘስማዕምዕ መገዲ ብዘተ ብዛዕባ ምፍታሕን ናይ ቀፃሊ ኣንፈትን እንታይ ክኸውን ኣለዎ ኣብ ዝብል ኣብቲ ናይ ክልተ መዓልታት ዘተ ተላዚቦም።

ብወገን ኢትዮጵያ ጉዳይ እቲ ዶብ ሰለማዊ ብዝኾነ መገዲ ምስ ዝፀንሑ ስምምዕነታት ብምጥዕዓም ምስቲ ዶብ ብምትሕሓዝ ዝተጣየሹን ስራሕቶም ዘይዛዘሙን ዝተፈላለዩ ኮሚቴታት ስራሕቶም ከምብሓዱሽ ንክጅምሩ ብምግባር ምፍታሕ ከምዘድሊ ተገሊፁ።

እዚ ናይ ክልቲአን ሃገራት ስትራቴጂካዊን ሕውነታዊን ርክብ ከምኡውን ድልየትን ረብሓን ክልቲኦም ህዝብታት ዝሕሉ ከምዝኸውን ተገሊፁ።

ክልቲኦም ወገናት ቀፃሊ ልዝቦም ኣብ ዝጥዕም እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምክያድን ንመራሕቶም ከይዲ እቲ ኣኼባን ውፅኢቱን ዝምልከት ፀብፃብ ብምቕራብ ብዝወሃቦም ኣንፈት መሰረት ዘተኦም ንምቕፃል ብምስምዕማዕ ኣኼቤኦም ዛዚሞም።

ኣብ ቀፃሊ ኣኼባ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ለውጢታት ብምግምጋም ኮሚቴታት ዶብ ስርሖም ኣብ ዝቕፅልሉ ኩነታት ክላዘቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮነን ዘምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሃምዶክ ዘተ ገይሮም ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.