Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ብሓሰብቲ መናእሰይ ዜጋታታ ተስፋ ኣለዋ – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ቀፃሊ ብዘልምዑ ሓሰብቲ መናእሰይ ዜጋታታ ተስፋ ኣለዋ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ መርሃግብሪ ”ሓሙሽተ ሚሊዮን ኮደርስ” ሎሚ መዓልቲ ኣጀሚሮም፡፡

ምጅማር እቲ መርሃ-ግብሪ ኣመልኪቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም አብ ዘመሓላለፉዎ መልክእኽቲ÷ “ኢትዮጵያ ቀፃሊ ብዘልምዑ ሓሰብቲ መናእሰይ ዜጋታታ ተስፋ ኣለዋ” ኢሎም፡፡

“ሎሚ ብዕሊ ዝጀመርናዮ መርሃግብሪ ”ሓሙሽተ ሚሊዮን ኮደርስ” ዓብዪ ዕድል ኢዩ” ክብሉ እውን ኣገንዚቦም።

መናእሰይ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ብምምዝጋብ ክእለት ንኽረኽቡን ዓለም ለኸ መረጋገፂ ምስክር ወረቐት (ሰርተፊኬት) ክረኽቡን ኩሉ ንኸበረታትዕ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቲ ዓብዪ ፕሮጀክት ምትሕብባር ዓቕሚ ህንፀት ድማ ንመንግስቲ ሕቡራት ዓረብ ኤምሬትስ ምስጋና አቕሪቦም።

“ሓሙሽቲኦም ሚሊዮን ኮደርስ ሃገር በቆል መፍትሒታት ዝህቡ ጥራሕ ዘይኮኑ÷ ንኣህጉርና ናይ ተስፋ ጩራ ብርሃን ዘብርቑ ኢዮም” ክብሉ ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.