Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ብልፅቲ ተበፃሒት ቅድመ ታሪኽ ቅሪት ኣካልን መካነ ሓድጊን ብምዃን ሽልማት ፖትዋ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ናይዚ ዓመት ብልፅቲ ተበፃሒት ቅድመ ታሪኽ ቅሪት ኣካልን መካነ ሓድጊን ሃገር ብዝብል ኣብ በቢዓመቱ ኣብ ጀርመን ዝካየድ ሽልማት ፖትዋ ተዓዊታ።

ሚኒስትር ባህሊን ቱሪዝምን ፌዴሪኢ ዶክተር ሂሩት ካሳው ድማ ትሕቲ ሰሃራ ብልፅቲ ሚኒስትር ባህሊን ቱሪዝምን ብዝብል በቲ ፖትዋ ተሓርየን።

ሽልማት ማሕበር ተጓዓዝቲ ከባቢ ፓስፊክ (ፓትዋ)፥ በቢ ዓመቱ ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ በርሊን ኣብ ዝካየድ ምርኢት ንግዲ ቱሪዝም ዓለም ዝወሃብ ስነ-ርዓት ኣፍልጦ ኢዩ።

ኣብቲ ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማት ፓትዋ፥ 13 ሃገራት ዓለም ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ተዓወትቲ ከምዝኾና ካብ ሚኒስቴር ባህሊን ቱሪዝምን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኢትዮጵያ ድማ ናይዚ ዓመት ብልፅቲ ተበፃሒት ናይ ቅድመ ታሪኽ ቅሪት ኣካልን ናይ መካነ ሓድጊ ቦታን ሃገር ብዝብል ዓውዲ ቀዳመይቲ ኮይና ተዓዊታ ኣላ።

ዶክተር ሂሩት ድማ ሽልማት ብልፅቲ ሚኒስትር ክስዕራ ክኢለን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.