ኢትዮጵያ በዝተጎዓዓዘ ብዝሓትን ዝተረኸበ ኣታዊን ፅዕነት ኮንቴነር ካብ ኣፍሪካ ቀዳማይ ብርኪ ሒዛ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ በዝተጎዓዓዘ ብዝሓትን ዝተረኸበ ኣታዊን ፅዕነት ኮንቴነር ካብ ዓለም መበል 47 ከምኡውን ካብ ኣፍሪካ ቀዳማይ ብርኪ ከምዝሓዘት ፀብፃብ ዓለም ለኻዊ ትካል ሓይሊ ባሕሪ(ኣይ ኤም ኦ) ምግላፁ ሚኒስቴር ትራንስፖረት ኣፍሊጡ ።
ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 4 ሺሐን 500 ባሕረኛታት ከምዝርከቡ ዝተገለፀ እንትኸውነ፥ ብበዝሒ ባሕረኛታት ካብ ኣፍሪካ መበል ራብዓይ ብርኪ ከምእትርከብ እውን ተሓቢሩ።
እዚ ድማ ኢትዮጵያ በቲ ዓውዲ ክሳብ 9 ሚሊየን ዶላር ከምእትረክብ ኢዩ ተሓቢሩ።
እቲ ሚኒስቴር ንፋና ብሮድካስቱንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ ኣብ 2013 ዓ.ም ብህንፀት መሰረተ ልምዓት መገዲ 1 ሺሕን 188 ኪ.ሜ ሓደሽቲ መገዲታት ከምዝተሃነፁ ገሊፁ።
10 ሺሕን 813 ኪ.ሜ ፅገና መገዲ ከመዝተፈፀመ አወን ተሓቢሩ።
ብተወሳኺ ብዙሓት ሓደሽቲ መገዲታት ከምዝተጀመሩ ኢዩ ተገሊፁ።
ዓውዲ መገዲ ከማዕብሉ ዝኽእሉ ፖሊሲታት፣ ስትራቴጂታት፣ ኣሰራርሓታትን ሰርዓት ቴክኖሎጂን ከመዝተዘርግሑ ኢዩ ተገሊፁ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።